Enba Metera Akeleguzay on Clubhouse

Enba Metera Akeleguzay Clubhouse
33 Members
Updated: Apr 27, 2024

Description

እንባ መጠራ

ንማዕዶ ተቓምት ጽኑዕ ሓላዊ
ኣርሒቅካ ትዕዘር ልቢ ባሕታዊ፡

ምስጢር ውሻጠና ኣብ ባዓትካ ትዓቊሮ
ሕማቕናን ጽብቕናን ንኲሉ ትሰትሮ፡
ወግዕናን ባህልናን ኣብ ከርስኻ ኣዕቂልካ
ዓመታት ሓቂፍካ መዋእል ተንብሮ፡፡

ትዝታ ንእስነትና ጽላሉ ንፍቅሪ
ንፋስካ ዘይምኖ ዝሓዘለ ዝኽሪ
ግርማ ጽባቐኻ ተፈጥራዊ ድባብ
ንዓይኒ ሰንጢቑ ንልቢ ዘርክብ፡፡

መዕረፊ ቅዱሳን ተፈታዊ ኣውራ
ጋሳ ነዛ ዓደይ ዘበት ዘይተድፍራ
ዝብሎካን ኣሎኒ
ሓደራ . . . ሓደራ
ሓደራ . . . ሓደራ . . .!
ካብዚ 'የ ካብ ርሑቅ ጸጋቢ መከራ
ዝናፍቅ ንዓኻ ዝመረሮ ናብራ፡፡

ሓደራኻ . . . ሓደራ
ሓደራ . . .ሓደራ . . .
ልብኻ ይዓቢ ጎቦ እንባ መጠራ፡
ኣይተቊርራ ነደይ 'ዛ ሓላይት ስድራ
ኣብዶ ነቲ 'ቦይ ዝጸዋሪ ናብራ
ማምቋ ንዓደይ ዝጸመዋ ስፍራ
ቀድሳ ሃገረይ ሃገረይ ኤርትራ!

ናብ ኲሉ መኣዝን ድፍእ- ቅንዕ ኢልካ
ባርካ ንኤረይ በቲ ዓቢ መስቀልካ!

Last 30 Records

Day Members Gain % Gain
April 27, 2024 33 0 0.0%
February 14, 2024 33 +1 +3.2%
December 31, 2023 32 +2 +6.7%
November 16, 2023 30 +2 +7.2%
October 16, 2023 28 0 0.0%
September 16, 2023 28 +1 +3.8%
August 18, 2023 27 +2 +8.0%
July 16, 2023 25 +1 +4.2%

Charts

Some Club Members

More Clubs