ገዛ-ፍሉይነት on Clubhouse

ገዛ-ፍሉይነት Clubhouse
78 Members
Updated: Mar 19, 2024

Description

ብዛዕባ ገዛና:- ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ 🕰ኣብዚ ገዛ ሰሉስ-ሰሉስ ሰዓት 8:00 ቅ.ቀ/AM (PST) ናይ 15 ደቒቕ ጽማቕ ኦውድዮ ኣብ ፍሉያት ሓሳብት ኣቶኩሩ ይምህር:: 🕰ኣብ ሓሙስ-ሓሙስ ሰዓት 8:00 ድ.ቀ/PM( PST) ዳግማይ ተራኺብና ድማ: ነጸብራቕ ናይቲ ዝሰማዕናዮ ኦድዮ ምስ ኣካይዳና መስትያት ብምግባር :ከነምሓይሾም/ ወይ ክንምልኦም ዘልና ነገራት ወይ ድማ ፍሉይነትና ከም ደቂ-ሰባት ኣማእኺልና ክንዛረብኢና:: ~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~ 🧵ጻዊዕትና:-
እቲ ጻዊዕትና: ንስኻ/ንስኺ ከም ፍሉይ ሰብ: ኣብ ፍሉይነት ኣሚንካ: ናይ ገዛእ ርእስኻ ፍልጠት: ሓሳባት ይኹን ኣረኣእያ ብምርጫካ ክትዕቢ: ንዕኡ ዝጉስጉስን : ዘነቃቅሕን ዝተፈላለዩ መጸሓፍቲ ናብ 15 ደቒቕ ተጨፍሊቁ ብመልክዕ ኦድዮ :ሓንቲ መጽሓፍ ኣብ ስሙን ክቅርብ እዩ::
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
🧵እቲ ዕላማ /ሽቶና :-
ጽባቐ ፍሉይነትና ከነለሊ:ከም ሓደ ውልቀ-ሰብ : ነፍስና ኣልዒልና ናብ ሕብረተሰብና: ብ ፍልጠት:ብ እኹልሰብ:ብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና: ክንቐርብ:: ክሳዕ ናብኡ ንበጽሕ -ብሓሳባት: ብስምዒት :ብፍቃድ ኣብ ናይ ውሽጢ ሰብና ክንዓቢ: ብቐንዱ እዚ-ገዛ ዕላማ ዘንበረ ኾይኑ(ኣብመጠረሽትኡ: ንሕብረተ-ሰብ ሰኸም ዘይከውን ውልቀ-ሰብ ኣብ ምፍራይ እቲ ምርኮ ቶኾርኡ እዩ::
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
🧵መተሓሳሰቢ/ከም ዲስክሌመር:-
እዚ ግሩፕ ኣብ ፍሉይነት ስለ ዝኣምን: ካባና ዝተፈልየ ሓሳብ ንዘለዎ ሰብ ይንኣስ ይዕበ : ሓሳቡ ከነሰላስሎን: ከነአንግዶን ሕጂ ኣብ ምጅማርና ክነግረኩም ንፈቱ:: ኣብዚ ንመጽእ ኣብቲ ዘለና ክንውስኽ ድኣ እምበር:ነቲ ዘለና መንፈዓት ማንም ዘሕድገና ሰብ ከምዘየለ: ንእግረ መንገደይ ከተሓሳስበኩም ይፈቱ:: በዚ ብምቅጻል እምባኣረይ: ናብቲ ኦድዮ ከብለኩም:: ሰናይ ምክትታል ጽቡቃት ሰባት!
1. ኣብ ፍሉይነት ትኣምን'ዶ?: 🧶እወ! ኣነ ብኣእምሮይ ፍሉይ: ብፍልጠተይ ፍሉይ: ብኣተሓሳስባይ ፍሉይ: ብምስትውዓለይ ፍሉይ: ብኣረዳድኣይ ፍሉይ: ብኣረኣእያይ ፍሉይ ምኻንነይ ዝኣምን ሰብ እየ::
2.ካባኻ/ኺ ዝተፈልይ ሓሳብ ዘለዎ ሰብ፥ ሓሳቡ ከተሰላስልን ከተአንግድን ትኽእል'ዶ?: 🧶እወ! ካባይ ዝተፈልይ ሓሳብ ዘለዎ ሰብ ይንኣስ ይዕበ ፥ ሓሳቡ ከሰላስሎን ከአንግዶን እየ:: ምኽንያቱ: መሬት ሰጣሕ ወይ ጸፋሕ ኢያ ከባብ ኣይኮነትን ንዝብሉ ኣብ እትሰምዕ ዓለም ምህላውና ኣይንዘንግዕ።
3. ንሃገርይን: ህዝበይን ዘበርክተሉ: ንገዛእ ርእሰይ ብሉጽ ምግባር እዩ!: 🧶እወ! ንሃገርናን: ህዝብናን ዝዓበየ እነበርክተሉ ነገር: ንገዛእ ርእስና ብሉጽ ብምግባር'ዩ::

Last 30 Records

Day Members Gain % Gain
March 19, 2024 78 +2 +2.7%
January 28, 2024 76 +1 +1.4%
December 15, 2023 75 +4 +5.7%
November 05, 2023 71 +2 +2.9%
October 05, 2023 69 +1 +1.5%
September 06, 2023 68 +1 +1.5%
August 08, 2023 67 0 0.0%
July 07, 2023 67 +1 +1.6%

Charts

Some Club Members

More Clubs