Yoni Y-3 on Clubhouse

Updated: Jul 23, 2023
Yoni Y-3 Clubhouse
259 Followers
208 Following
@yoniy-3 Username

Bio

ደብዳበ ናብ ኣምላኽ

ከመለኻ ጎይታ ሰማይ ከ ከመሎ??
ክመጽእ የ ኢልካ ተሸሪብካና ኮ።

ንሕና 'ሞ....

ንሓለቓ ኣሕሉቕ መልእኽቲ ሰዲድና
እልፊ ኣእላፍ ህዝቢ ኣብ ባይቶ ጠሪዕና
ኣብያተ ጸሎትና ኣብ ገጽና ዓጺና
ናይ ምድሪ ገልታዕታዕ ሕግታት ጥሒስና
እንሆ ብድፍረት ንጽሕፈልካ ኣለና።

ድሃይ ካብ ትገብር ክልተሽሕ ዓመት ከም ዋዛ ሓሊፉ
ናይ ምምጻእካ ተስፋ ቀሪቡ ክውዳእ በኒኑ ሃፊፉ

ወረግ.....

ክመጽእ የ ኢሉ
ክልተ ሽሕ ዓመታት ተዘይተቐልቂሉ
ኣብታ ቆጸርኡ ደበኽ ተዘይ ኢሉ
ኣምላኽ ሓበሻ ዩ ቆጸራ ዘይሕሉ።
ኢሎም ይሓምዩኻ።

ኣነ'ሞ 'ታይ ክብል?? እንታይ ከ ይፈልጥ??

ኣመስግን ተይሎምኒ ዕልልታይ ዝድርጉሕ
ቃሉ ስማዕ ተይሎም ኣብ እግሪ ሰባኺ ኮፍ ኢለ ዘሳፍሕ
እዝግዮ በል ክብሉኒ ንብዓተይ ዘፍስስ
ሃሌ ሉያ ተይሎም ልበይ ትብል ምልስ

ቅንጣብ ፍልጠት እኳ ውሽጠይ ከይጸደቐ
ዝተምበርከኽኩሉ ብርከይ ዝሓቐቐ።

ኣነ??…ኣነ'ሞ እንታይ ይፈልጥ??…

ግን ንስኻ ከመለኻ??

ሓቂ ድዩ ዚ ወረ?? ምጽኣት ተሪፉ ድዩ??
ሓደሓደ ግዜ ኮ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ምጥርጣር ጽቡቕ ዩ።

ብዝኾነ ኮይኑ፡ ሰማይ ደሓን ዶ ሎ??

ኣብርሃም ከመሎ
ሕጂ ኸ ገዛ ሰሪሑ ዶ ወላስ ኣብ ዳስ ኣሎ??

ንሕና'ሞ ኣለና
ሻሞጥ ክራይ ገዛ እናገረፈና
ኤሎሄ ንብለካ ኣጉዶ ክትህበና

ንላዕሊ ሃኒጽና
ንጎኒ ኣስፊሕና
ንላዕሊ ምስ ላዕሊ ንጎኒ ምስ ጎኒ
ምሒር ተራጺምና
ቤት፡ ቤት እዝጊ ምባል ፈጺምና ዘንጊዕና።

እ…ው…ይ…

ኣቦና ሙሴ ኸ ከመሎ ምስ ክብሩ
ባሕሪ ዝጨደላ ኣላ ዶ 'ታ በትሩ??

ንሕና ሞ ነሃልካ…

ዘይከውን ኮይንና ባሕሪ ክንሳገር
እንከይረገጽናያ ንትስፈዋ ሃገር
ስጋና ን ዓሳ፡ ጨው ኮይኑ ዓጽምና
በጃኻ ንገሮ በትሩ ክሰደልና።

ኣንታ ኣቦይ መዓረይ…

ካብታ ዓዲ ተስፋ ተስፋ ተመንጢልና
ኔው ነጀው ክንብል መኸዲ ስኢንና
ድሕሪት ከይንጥምት መምለሲ ዘይብልና።

በል ነቦና ሙሴ ከምዚ ኢልካ ንገሮ…

"ዘመነ ጉዕዞ ዩ፡ ዘመን ምስጋር ባሕሪ
ሕጂ ኢና ንደልያ ስደዳ 'ታ በትሪ።" በለልና።

ሰማይ ግን ከመሎ??
ዳዊት ከ ኣብኡ ሎ??

ሎም ኸ ይዝምር ዶ??
ሎምኸ ይፍክር ዶ??

ከመላ ጸጸሩ??
ኣላ ዶ ታ ወንጭፍ??
ኣደብ ጌሩ ዶ ኸ ጎልያድ እቲ ገጅፍ??

ኣብዚ…

"ኣሽሓት ጎልያዳት እናጉባዕብዑልና
ወንጭፉ ጠቕሊሉ ዳዊት ጠፊኡና።"
ይብሉኻ ኣለዉ ኢልካ ንገረልና።

ከም ሎሚ ዘይበዝሐ ጸጸር ተወንጫፊ
ሰብ ወንጭፍ ሓቒቖም ተሪፉ ለፍላፊ።

ሰማይ ጽቡቕ ዶ ሎ??…

ሄዋን ከ ከመላ??…

እዘን ደቅደቃ ኣሰራ ስዒበን
ነታ ናይ ገነት ኦም ፍሪኣ ሓሊፈን ጉንዳ ገሃሂጸን
ንፍጥረተ ኣዳም ብዓይኑ የሕጥይኦ።

ሰይጣን ጽቡቕ ኣሎ ተሰማሚዕዎ
ሰባት ንኸጋጊ ህርድግ ገዲፍዎ
ዝኸዶ በዚሑ ንሱ ከይጸውዖ።

ኣንታ ጎይታይ…

ሓቂ ድዩ 'ዚ ወረ? ምጽኣት ተሪፉ ድዩ??
ሓደሓደ ግዜ ኮ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ምጥርጣር ጽቡቕ ዩ።

ገጣሚ፡ ኣሌክስ ኣብርሃም (ኣምሓርኛ)።
ትርጉም፡ Eritrean Asmara

መስከረም 1/2020

Member of

More Clubhouse users