🛑ምኽሪ'ቲ ፓኪስታናዊ ስደተኛ🛑
ምስ'ቲ ፓኪስታናዊ ኣብ ሓደ ቦታ ኢና ተራኺብና። ብዛዕባ ስደት ብዙሕ ኣውጊዕና። ካብተን ዘዕለልናየን ኣብ ርእሰይ ዝተረፈት ግዳ እታ ዛንታ ቆጽልን ገረብን እያ። እነሀት፥-
" ኩሉ ስደት ሓደ እዩ፡ ኩሉ ስደተኛ ግዳ ሓደ ኣይኮነን" ኢሉ እዩ ጀሚሩ እቲ ፓኪስታናዊ " ንኣብነት ዘይተማሃረን ዝተማሃረን ስደተኛ ፍልልይ ኣለዎም። ዘይተማሃረ ስደተኛ ንሂወት ከም ዝወደቐ ቆጽሊ ኮይኑ እዩ ዘሕልፋ። ኣብ ባይታ ኢዩ ዝነብር። ዘርከበ እዩ ዝረግጾ፥ ዝነፈሰ ንፋስ እዩ ዝወስዶ። ናተይ ክነግረካ፥ ናብ ኣሜሪካ ክኣቱ እንከለኹ ለይለይ ዝብል ወዲ 25 ዓመት እየ ኔረ። ግና ኣይተማሃርኩን። ሕጂ 64 ጌረ ኣለኹ። ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ንሂወት ከም ዝወደቐ ቆጽሊ እየ ኣሕሊፈያ።"
ኣብ ገጽ እቲ ፓኪስታናዊ ከቢድ ጓሂ ተራእዩኒ። ጸኒሑ ግዳ ፍሽኽ ብምባል ዘርባኡ ቀጺሉ፥-
" ናተይ ነገር ተወዲኡ እዩ። ደቀይ ዝወደቑ ኣቑጽልቲ ዘይኮነስ ኣግራብ ኮይኖም ከሕልፍዎ ግዳ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣካይደ እየ። ርኢኻ ኣለኻ፡ ዝተማህረ ሰብ ከምዚ ገረብ እዩ። ሰብ ኣይረግጾ፡ ዝመጸ ንፋስ ኣየሽካዕልለሉ። ኣማሪጹ ድማ እዩ ዝሰርሕ። ሰለስተ ደቂ ኣለዉኒ። ደጊም ኣግራብ ኮይኖም እዮም። ቦኽሪ ወደይ ዶክተር ኮይኑለይ እዩ። ማእከለይቲ ጓለይ ፋርማሲስት እያ። እቲ ንእሽተይ ወደይ ንዓመታ ብ ኢንጂኔሪንግ ክምረቕ እዩ።"
ሞባይሉ ከፊቱ ስእሊ ደቁ ኣርእዩኒ። ገጹ ብሓበን ከም ፋኑስ ክውላዕ ኣስተብሂለሉ።
" ወሊድካ ዲኻ?" ሃንደበት ሓቲቱኒ።
" እወ፥ ሓንቲ ጓል ኣላትኒ"
" ገረብ ክሳዕ ትኸውን ደግፋ። መንእሰያት ደቂ ዓድኻኸ ኣብዚ ስደት ኣለዉዶ?"
" መሊኦም ኣለዉ"
" ገርቡ በሎም"
" ብርግጽ! እንተ ሰሚዖምንስ ክብሎም እየ።"
ሓዙ በሉ። ደቂ ዓደይ መዓረይ፥ ደመይ፡ ወገነይ፡ ኣብዛ ከርፋሕ ስደት ከም ዝወደቐ ቆጽሊ ከይትንከራተቱስ ተማሃሩ! ተማሃሩ! ተማሃሩ!
ሰላም መዓልቲ!