Meron Teklesenbet on Clubhouse

Updated: Mar 21, 2024
Meron  Teklesenbet Clubhouse
2.6k Followers
615 Following
May 29, 2021 Registered
@meronawi Username

Bio

ኣብ ዓለም ዝለዓለን ዝኸበረን ህዝቢ እዩ ዕድሉ ባዕሉ ን ምውሳን ድማ ሙሉኡ መሰል ኣለዎ ። ህዝቢ ን ምግዛእ ዝቀርብ ዝኮነ መኽንያት ንጹግን ተሳዓርን እዩ ። ወዲ ትኹል ።

"ኤርትራውያን ሓተቲ ድዮም መለስቲ ንዝብል ነጥቢ ምስትውዓል ከድልዮ እዩ። ጸላኢ ድማ ን ዕንወትና ከውዕሎ ዝኽእል ይመስለኒ ። ምኽንያቱ ብዙሓት ኤርትራውያን ን ዘይፈልጥዎ ሕቶ ናይ ምምላስ ልምዲ ኣጥርዮም ኣለዉ። ካብ ዘዋሪ ታክሲ ጀሚርካ ጠበቃ ፡ ሓኪም ፡ ማሃንድስ ፡መምህር ፡ኣማሓዳሪ ፡ ወዘተ ... ክሳዕ ዝሕተት'ውን እንተ ጸኒሑ እንድዒ ። ን ዝኾነ ሕቶ ከይመዘነ ናይ ምምላስ ቅልጣፈ ኣለዎ ። እዚ ማለት ቃልሲ ሕቶን መልስን ተገራጭዩ ክሳዕ ዝጽንቀቅ ዓቅሊ ዘይገብር ሕብረተሰብ መልክዕ ሓቂ ክርኢ ዘለዎ ተስፋ ምህሙን እዩ ። ጸላኢ እዚ ፈሊጡ ከየጥቅዓና ህዝቢ ዝምሃረሉ ብልሓት ክርከብ ኣለዎ ።
ካብ መጽሓፍ (ትጽቢት ባህጉ) ነፍስሄር ኣቶ በየነ ሃይለ ። (ነስተውዕል ዶ ኣለና ?)

ሓቂ እንታይ እዩ ?

" ሓቂ ናይ ውሽጢ እያ ። ኣብ ግዳም ዝልበስ ሓቂ ዘሎ ኣይመስለንን ። ሰብ ሓቂ ሓቂ ዝብል ግዳማዊ መልክዕ እናርኣየ እዩ ። ውሽጥኻ ዝኣቱ ሰብ የለን። ብዛዕባ ኩናት ክዛረቡ ክጽሕፉ ንዕዘብ ኣለና ። ሓቂ ውግእ ዝፈልጥ ግን ኣይርኣናን ። ኣብ ኩናት ዘይውዓለስ በሊሕ ኣፉ ተባሂሉ እንድዩ ቀደም ። ሓቂ እቲ ዝፈልጣ እዩ ዘለልያ ። ሰብ ጥራሕካ ክርእየካ ይኽእል ይኸውን ሓቂኻ ግን ኣይርእዮን እዩ ። ብዉሽጡ ግን ዝፈልጦ ይመስሎ ። ሓቂ ኣብ ዉርዙይ ቃላት የላን። ኣብ ኩናት ኣብ ጥሜት ኣብ ፍቅሪ ኣበይ'ሞ ክብለካ እየ ? ሓቂ ኣብ ናፍቆት ኣብ ትምኒት እያ ዘላ ። ብዓቅመይ ንሓቂ ዝፈልጣ እዩ ዝመስለኒ ። ኣብዞም ፈለጥና ተማሃርና በለጽና ዝብሉ የላን ። ንፈልጣ ኢና ኢሎም ብዛዕብኣ ክዛረቡ ይስምዑ እዮም ። ሓቂ ፡ስደተኛ ተጋዳላይ፡ ዋርሳይ ፡ መንእሰይ ፡ ወዘተ ግን ዝፈልጡ ኣይመስለንን ። ሓቂ ጓል ኣንስተይቲ ዝፈልጥ እሞ ክኣ ኣይርኣኹን። 'ሓቂ ኣብ ሓፋሽ ተደርብያ ዘልዕላ ዝስኣነት ምስኪን እያ ' ዝብሉ ሰሚዐ ኣለኩ ። 'ሓቂ ኣብ ውሽጢ ተፈጥሮ ተዓቁባ ክሳዕ ደለይታ ብምህለላ ስነ-ፍልጠት ንኽብራ ዝውድሱ ኣስኪላ ኣላ ' ዝብሉ'ውን ኣለዉ ። እቶም ፈለጥና ዝብሉ ስለ ዝፍንፍንዋ ኣየልዕልዋን እዮም። ኣብ ክንድኣ ግን ሓቂ ኢሎም ንዘይኮነሎም ሓንካስ ሓቂ ክፈጥሩ ላሕ ይብሉ ። ናቶም ዘይፈለጡስ ብዛዕባ ናይ ህዝቢ ሓቂ ይዛረቡ ። ናተይ ሓቂ ንስካ ኣይርኣኻያን ካልኦት ውን ኣይርኣይዋን ። ኣነ ጥራሕ እየ ዝፈልጣ ። ብዛዕባ ናተይን ከማይን ሓቅታት ግን ኩሉ ይጽሕፍ ኩሉ ይዛረብ ኣሎ ኣነ ድማ ኪርኪር ኢለ ይስሕቅ ። (ትጽቢት ባህጉ) ነፍስሄር ኣቶ (በየነ ሃይለ)

"ን ፍቕሪ ዝሰብኽ ኣይሰማዕኩን ። ፍቅሪ ናይ ፈርሓት ምልክት መሲልና ከይከውን ፈሪሐ ። ንተስፋ ዝመልክታ ኣጻብዕቲ ኣይተወሳወሳን ። ተስፋ ናይ ዓሻታት መሲልና ምልክት መሲልና ከይከውን ፈሪሐ ። (ነፍስሄር በየን ሃይለ)

ሰንፈለል ዝብሉ ዝበዝሑ ይመስለኒ ። " ትርጉም ሰንፈላል ቀሊል እዩ " ኢሉ ሓደ ኤርትራዊ ተመራማሪ ። "ካብቲ ዝኸበበና ኩነታት ናብራ እንታይ ከም ንደሊ ዘይምፍላጥ ውሽጣዊ ሸገርገር ይፈጥር። እቲ ሸገርገር ድማ ገለ ነይሩናስ ዝጠፍኣና ይመስለና ። ነቲ ምስ ረኸብና'ዮ ዘይነለልዮ ነገር ምድላይ የዕገርግረና። ከምዚ ኢልና ነከናውኖ ናብራ ይኹን ስራሕ መቐረት ኣይህበናን ። መቐረት ምስ ሰኣንና ኩሉ ይመረና ። ምስ መረረና ድማ ካልኦት ከም ዝመሮም ንገብር ። ስለዚ እቲ ንደልዮ ንምልላይ ብዙሕ ክንምሃር ኣለና ። ነፍስሄር በየነ ሃይለ ።

ኩሉ ኣብ ግዜ ህጻንነት እዩ ዝምስረት ። ኩሉ ዳሓር ዝሕፈስ ጸጋ ኣብ ግዜ ቁልዕነት ዝተዘርእ እዩ ። እዞም ተማሂሮም ዝስንክሉ ዘለዉ ካብቲ ቅድም ከጥርይዎ ዝግብኦም ዝነበረ ስለ ዝጎደሎም እዮም ናብ ሸንኮለል ሃዋህው ከንቱነት ዝኣትዉ ዘለዉ ! እዚ ኩሉ ነብስኻ ምጽላእ ! እዚ ኩሉ ናይ ነፍሰ-እምነት በተኽነት ! እዚ ኩሉ ፍርሒ ማሃዝን ፈጠራን ! ልዙብ ናብራ ማህጸን ፡ ምዉቅ ሕቁፎ ወለዲ፡ ዘመን ሕጉስ ፊሑኽሑኽ ፡ እዋን ፍሕሽዉ ተንከል ተንከል ዝጎደሎ ውልቀ-ሰብ መመላእታ የብሉን ። በዚ እዋን ዘይተራእየ
ጽባቀ ብወሰኽ ዕድመ ኣይግሃድን ። በዚ እዋን ዘይተዘርእ ባህጊ ንተበግሶ ህይወት ኣይፈርን ። ቀደም ብዘመን ንጽህና ቁልዕነት ዘይተሃነጸ ሕልሚ ብዘመን ዕብየት መንበሪ ኣዳራሽ ኣይከውንን ። ቀደም ጀበብ ክሳዕ ዝብል ዘይመልእ ፍቅሪ ንሃገር ኣይዕቆርን ። ህጻን ኮንካ ዘይተረኸበ ፍልጠት ትምህርቲ ተላሕጉንካ ኣይርከብን ።

Invited by: Bereket ElHai

Last 10 Records

if the data has not been changed, no new rows will appear.

Day Followers Gain % Gain
March 21, 2024 2,624 +1 +0.1%
March 03, 2024 2,623 +2 +0.1%
February 10, 2024 2,621 -1 -0.1%
January 24, 2024 2,622 +4 +0.2%
December 22, 2023 2,618 +3 +0.2%
December 07, 2023 2,615 +115 +4.6%
January 12, 2023 2,500 +100 +4.2%
January 06, 2023 2,400 +100 +4.4%
September 29, 2022 2,300 +100 +4.6%
August 28, 2022 2,200 +100 +4.8%

Charts

Member of

More Clubhouse users