ከከም ግዚኡ on Clubhouse

Updated: Aug 27, 2023
ከከም ግዚኡ Clubhouse
310 Followers
292 Following
@meraayni Username

Bio

1) 🔺️ኣይኮነን ዝወጠንካዮ ዝሓዝካዮ እውን ይወድቀካ እዩ። 👉ተስፋ ኣይትቑረፅ::

2)🔺️እናረሓቕካዮ ዘይርሕቀካ ከብዲ ወላዲት ጥራሕ እዩ። 👉ወላዲትካ ኣኽብር::

3)🔺️ቀዋሚ ፈታዊ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
👉ስሚዒታትካን ባህግታትካን ንመን ከም ተርእዮ ኣስተውዕል::

4)🔺️ብዙሕ ዝገበርካሉ ብዙሕ ክጎድኣካ ይክእል እዩ።
👉ተዳሊኻሉ ፅናሕ።

5)🔺️ትምህርቲ ድንቁርና እምበር ዕሽነት ኣየጥፍእን እዩ። 👉ካብ ዓያሹ ምሁራት ተጠንቀቕ::

6)🔺️ሚእቲ ጥቕልልቲ ቐርሺ ብሓደራ ከተቐምጠሉ ንዝሃበካ ሰብ ክልተ ሓሙሳ ጌርካ ኣይትምልሰሉ።
👉እምነት ምጉዳል እቲ ዝሓሰረ ተግባር እዩ እሞ እሙን ኲን::

7)🔺️ብዙሓት ሰባት ከምቲ ንሓስቦም ኣይኮኑን።
👉ዝግ ኢልካ ተዓዘብ።

8)🔺️ዘይሓልፍ መከራን ግዜን የለን።

👉 ክብርኻን መትከላትካን ብዝኾነ ይዂን ዋጋ ናብ ዕዳጋ ከይተውርድ ተጠንቀቕ።

9)🔺️ዘየድልካ ሰብ ካብ ሂወትካ ንምውፃእ ኣይትሰከፍ።
👉ሓደራ ግን ኣይትቀየም።

10)🔺️ሙሉእ ልብኻ ስለዘሃብካዮም ዘሕምቑኻ ዝመስሎም ብዙሓት እዮም።
👉ልብኻ ንመን ከም ትህብ ኣስተውዕል።

11)🔺️ሰባት ከኽብሩኻ እንተደሊኻ::
👉 ንባዕልኻ ከመይ ኣቢልካ ከም ተኽብር ኣብነት እናርኣኻ መሃሮም


🌟 ኣብትሓዝነሉ ነዘን ነጥብታት ዘክረን

1. ብናይ ካልእ ሰባት ዝመጸ ጸገም ጉድለትካ ከምዘይኮነ
2.ቃንዛ ከም ሰብ መጠን ክፋል ናይ ዓወትካ ምካኑ ፍለጥ
3.ኩሉ ነገር ኣብ ሂወት ግዝያዊ ከምዝኮነ
4.ኣብነፍስወከፍ ንእሽተይ ጻዕሪ ንቅድሚት ከምትስጉም
5.እቲ ዝበለጸ ነገር ነቲ ዝሓዝካዮ ዕማም ክትቅጽሎ ከምዘለካ
6.ድሕሪ እንታይ ከምትደሊ ምፍላጥካ ክትከይድ ኣይትዶንጊ

Last 10 Records

if the data has not been changed, no new rows will appear.

Day Followers Gain % Gain
August 27, 2023 310 +302 +3,775.0%
December 16, 2021 8 +2 +33.4%

Member of

More Clubhouse users