Maku Nanu on Clubhouse

Updated: Nov 9, 2023
Maku Nanu Clubhouse
175 Followers
195 Following
@makunanu Username

Bio

ዓደይ ክፈቱ ጉዳም🇪🇷❤️👌🏻
ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፣ መቐረት ቃልስና !

ገለ ለባማት ኢና በሃልቲ ኤርትራዊያን፣ ንጅግና ጀጋኑ፣ መራሒ ቃልሲ ኤርትራ፣ ንኣርማ ሓርበኛታት፣ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ከነሞግስ ከለና፣ "ንሱ በይኑ ጥራይ ድዩ ጅግና፣ ንሱ በይኑ ጥራይ ድዩ ተቓሊሱ ሃገር ኣምጺኡ" ክብሉ ይስምዑ እዮም።

ኣይተጋገኹምን፣ ሓቅኻትኩም ኢኹም፣ ንሱ ጥራይ ጅግና ኣይነበረን፣ ሓቅኻትኩም ኢኹም፣ ንሱ በይኑ ጥራይ እውን ኣይኮነን ተቓሊሱ ሃገር ኣምጺኡ፣ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ እልቢ ዘይብሎም፣ ሓድሕድ ዘይበላለጹ፣ ምዑታት፣ ሰብ ናይ መትከል ቃል ኪዳን እዩ ኣፍርዩ።

እወ፣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ማእለያ ዘይብሎም፣ ግንባሮም ዘይዕጸፍ፣ ሰብ ድርብ ሓሞት፣ "እምበር 'ዶ ሓንቲ ትንፋስ እያ ዘላቶም" ዘብሉ፣ ንሞት ንዒቖም ኣብ ልዕሊኣ ዝጋልቡ ኣርካናት ገድሊ እዮም ኔሮሞ።

እዚ ክብል ከለኹ ግና፣ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾነ ካልኦት ዕውታት ሓርነታዊ ቃልሲታት ዓለምና፣ ሳላ ውፉይ፣ በሊሕ፣ ንስንክሳር ፖለቲካ ዓለምና ብዝግባእ ዝተረደአ መሪሕነት እዩ ተዓዊቱ። ብሱል መሪሕነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ቃልሲን ሽም ንህቢ ዘይብሉ ዕስለ ንህቢን ሓደ እዮም። በዚሖም እንተተራእዩ እውን ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ክሰርሑ ኣይክእሉን እዮም።

ቃልሲ ህዝቢ ቻይና ብዘይ ማኦ ዜ ዱንግ፣ ቃልሲ ህዝቢ ቪየትናም ብዘይ ሆ ቺ ሚን፣ ቃልሲ ህዝቢ ኪዩባ ብዘይ ፊደል ካስትሮን ቼ ጉቬራን፣ ቃልሲ ህዝቢ ኣልጄርያ ብዘይ መሓመድ ቤን በላን ቡመዲንን፣ ቃልሲ ህዝቢ ሞዛምቢክ ብዘይ ሳሞራ ማሼል፣ ቃልሲ ህዝቢ ጊኒ ቢሳዎ ብዘይ ኣሚልካር ካብራል፣ እንታይ ኮን ምመሰለ ኔሩ ኢልና ንታሪኽ ዕውታት (Successful) ሓርነታዊ ምንቅስቓሳት ዓለምና ምውካስ ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እውን ካብ'ዚ ዝፍለ ኣይኮነን።

ንታሪኽ፣ ጅግንነትን ቅያን ሓርበኛ ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ከይጠቐስካ፣ ንታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ከዘንቱ እየ እንተበልካ፣ ጨው ዘይብሉ ዶርሆ ጸብሒ እዩ ክኾነካ። ከመይ ኢልካ እዩ'ሞ፣ ንመቐረት ቃልስና፣ ጅግና ጀጋኑ፣ ርእሰ ሓርበኛታት፣ ዘይክማህ፣ ዘይግረር አንበሳ፣ ኢዱ ዘይህብ፣ ዘይደሃል፣ ንስንክሳር ፖለቲካ ዓለምና ብዝግባእ ዝተረደአ፣ ወሓለ ወተሃደራዊ ስነ ፍልጠት፣ ኣውራ ኤርትራዊያን ተቓልስቲ፣ ሽም ንህቢ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ክርሳዕ!?

ከመይ ኢልካ እዮሞ፣ ን50 ዓመታት ዝኣክል፣ ካብ መትከሉ ፈልከት ከይበለ፣ ቃሉ ከይቀየረ፣ ገሊጽካ ዘይውዳእ ናይ ውሽጢን ናይ ደገን ተጻባእቲ ዝመከተ፣ ክትዛረበሉ ዘሕፍር ማእለያ ዘይብሉ ጸለመታት ኣብ ዝባኑ ዝጾረ፣ ን 3 ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ካብ ኣራት ኪሎ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ካባ ሕፍረት ኣጎልቢቡ ዝሰጎገ፣ ኣብ ናይ ሳልሳይ ዓለም ሓርነታዊ ቃልስታት ዝገደመ ተቓላሳይ ዝኾነ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ክርሳዕ፣

ኣንቱም ሰባት!

ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፣ መዓስ ከም በዓል ማንዴላ ከም ኣድገ በቕሊ 27 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮሎክዮ እንዳተቐለበ ኮይኑ ሽም ኣጥርዩ!? መዓስ ከም በዓል ጆን ጋራንግ ናይ SPLA ደቡብ ሱዳን ኣብ ናይሮቢን ካምፓላን ኣብ ሆቴል ኮይኑ ቃልሲ ህዝቡ መሪሑ? መዓስ ከም በዓል ጆናስ ሳቪምቢ ናይ UNITA ኣብ ሆቴላት ጆሃንስበርግን ኪንሻሳን ኮይኑ ቃልሲ ህዝቡ መሪሑ፣ መዓስ ከም በዓል ያሲር ዓራፋት ናይ PLO ካብ ሆቴላት ካይሮን ቱኒዝን ቃልሲ ህዝቢ መሪሑ?

እወ! ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፣ ብጥሙይ ከብዱ፣ ብዕሩቕ ዝባኑ፣ ሓንሳብ ዓላ፣ ሓንሳብ ዑበል፣ ሓንሳብ ሰሜናዊ ባሕሪ፣ ሓንሳብ ጎቦታት ሳሕልን ጎላጉል ባርካን፣ ሓንሳብ ገልዓሎን ባዳን እንዳበለ፣ እምኒ ተተርኢሱ እዩ ብዘይ ዕረፍቲ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት መሪሑ ኣዐዊትዎ።

እወ! ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብዘይምግናን ብዘይ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሃገራት ደገፍ፣ ምርኩስ ሓያላን ዓለምና ከይተደገፈ ናጽነት ሃገሩ ዝጨበጠ እንኮ መራሒ ዓለምና እዩ።

- ማኦ ዜ ዱንግ መራሒ ሰውራ ናይ ቻይና፣ ሙሉእ ደገፍ ናይ ሽዑ ሓያል ዓለምና ሕብረት ሶቪየት ኔርዎ፣

- ሆ ቺ ሚን ናይ ቪየትናም ንፈረንሳን ኣሜሪካን ክስዕር እንከሎ፣ ዘይተኣደነ ኩሉ መዳያዊ ደገፍ ናይ ሽዑ ሓያል ዓለምና ሕብረት ሶቭየትን ቻይናን ኔርዎ፣

- ፊደል ካስትሮ ናይ ኪዩባ፣ ክዕወት እንከሎ፣ ምሉእ ደገፍ ሕብረት ሶቪየትን ቻይናን ኔርዎ፣

እሞኸ፣ ኢሳይያስን ውድቡን ኣየናይ ሓያል ሃገር እዩ ደጊፍዎም?

ዋላ...!


-

Member of

More Clubhouse users