ካኑ on Clubhouse

Updated: Aug 5, 2023
ካኑ Clubhouse
613 Followers
318 Following
@kanuking Username

Bio

ኣይትኺድ ናብ ውግእ!
===============
እንታይ ኢኻ ትደጋግመለይ…
ነናሻዕ " ሃገር…! ሃገር ! "
እፈልጥ'የ ድራር ዓይነይ
ንሳ ምዃና - ልዕሊ ኩሉ ነገር።

ሕጂ ግን ኣብከምኡ የለኹን
ግደፈኒ " ሃገር - ሃገር !"
ኣይትደጋግመለይ!
ንስኻ ዘይብላ ሃገር
እንታይ'ያ ክትገብረለይ?

ልዕሊ ኩሉ -ንስኻ ኢኻ ተገድስነኒ
ኣይሰደካን'የ ናብ ኲናት …
"ቻው-ቻው " ኣይትበለኒ ።

ፍቕሪ ናይ በይኑ ዓለም ኣለዎ
ንዂናት'ኮ ሰብ'ዩ ፈጢሩዎ
እሞ ቅድሚ ዶበይ ዶብካ
ከም ዝተፈጠሪ ፍቕሪ
ሚሽ ትፈልጥ ኢኻ!፧
በል ኣይሰደካን'የ ሎምስ
ዓይነይ'ና ርኣኹ
እንታይ'ለ ኸ ክጸናናዕ
መስዋትኻ ምስ ሰማዕኹ፧

ኣንታ ኩልንትናይ
ነዚ ናይ ኲናት ልብስኻ
ኣርሕቕ ኣቢልካ ጉሓፎ በጃኻ
ዳዊት ተሰከመለይ
ንኻላሽንካ ደርቢኻ!፡፡

ኣይትኺድ ናብ ውግእ
በይነይ ገዲፍካኒ
ናይ ወላድየይ ይኣክል
ናይቲ ኲናት ዘሕደገኒ፡፡
ኣንታ ቦቕቧቕ !
ረሲዕኻዮ ዲኻ
ኲናት ዘዘኽተመኒ ምዃነይ
እሞ ንስኻስ'ባ …
ኣይትፈለ ካብዛ ገነይ።
,,,,,,,,,,,,( ካኑ),,,,,,,,,,,,,,,,,🤪

Member of

More Clubhouse users