Special consultant....
MBA PUB MGMT🇪🇷
ኤርትራ ሃገርና ብሓባራዊ ሓርበይናዊ ሃገራዊ ክብርታት ዝተኣሳሰረት ሲቪክ/ናይ ዜጋታት ሃገር እያ።
•ሲቪክ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ፣ ንናይ ሃገረ ኤርትራ ጥንታዊ ውርሻታት፣ ዘመናዊ መለለይታት፣ ጅግንነታዊ ተጋድሎ ሙርኩስ ብምግባር ናይ ሃገረ ኤርትራ መሰረታዊ መለለይታት እዞም ዝስዕቡ ምኻኖም ይኣምን፣-
1. ብናይ መላእ ህዝባ፣ ብዘይ ኤትኒካዊን ዓሌታዊን ሃይማኖታውን ኣፈላላይ፣ ብሓባራዊ መስዋእቲን ኣበርክቶን ኣብ
መሪርን ነዊሕን ተጋድሎ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዝተወልደት፣ ንእናተባራረየ ዝመጸ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምስዓር
ህልውናኣ ጋህዲ ዝገበረት፣ ልዑላውነታን ነጻነታን ዘረጋገጸት ሲቪክ ሃገር እያ።
2. ብሓባራዊ ሓርበይናዊ ሃገራዊ ክብርታት ዝተኣሳሰረት ሲቪክ ሃገር እያ።
3. ንዘበናት ኣብ ትሕቲ ስርዓተ-ሕጊን ስልጡን ባህልን ዝተናበረ ህዝቢ ዘለዋ ሲቪክ ሃገር እያ።
4. ዝተፈላለዩ ኤትኒካዊን ሃይማኖታዊን ክፍልታተ ሕብረተሰብ ንዘመናት ኣብ ሓደ ቁሸት ብምክብባር ዝቕመጡላ ሲቪክ
ሃገር እያ።
5. ኣብ ሓደ ጎሎጎል ሓሪሶም ኣብ ሓደ ሩባ ጥሪቶም ማይ ዘስትዩላን ብሰላምን ፍቕርን ምክብባርን ዝነብሩላ ሲቪክ ሃገር እያ።
6. ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ፍትሒን ሰላምን ምክብባርን ዝኣምንን ዝነብርን ህዝቢ ዘለዋ ሲቪክ ሃገር እያ።
መዛኻኸሪ፡-
እንታይ ፖሎቲካዊ ሚስጢር ወይ ትሕዝቶ ስለዘለዎ እዩ፧ሲቪክ ሃገራዉነት ኣገዳስነቱ ዝዓዝዝ፧
ሲቪክ ሃገርነት፥መሰረታዊ መለለዪ ሲቪክ ሃገርነት በዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ረቛሒታት ይፍለጥ፣-
1. ፖለቲካዊ ቅቡልነት (legitmacy) ናይ ደውላ ካብ ንጡፍ ተሰትፎ መላእ ዜጋታት ናይ እታ ሃገር ይምንጩ።
2. ሲቪክ ሃገር – ኤትኒካዊ ሃይማኖታዊ ወይ ዓሌታዊ መብቆሎም ብዘየገድስ ንኩሎም ዜጋታት ሃገር የጠቓልል።
3. ሲቪክ ሃገር – ብሓርበይናዊ ክብርታት ዝተጠምረ ማሕበረ-ሰብ ናይ ማዕረ ዜጋታት እዩ።
4. ሲቪክ ሃገር ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘለዎ ሃገር ኮይኑ ንኩሎም ዜጋታቱ ልዑላውነት የልብስ።
5. ሲቪክ ሃገር ናይ ሕግን ፖለቲካዊ ተሳትፎን መስርሕ ምሕጋግን መሳርዕ-ስራሕ ብምፍጣር፣ ኣብ ሃገር ንዘጋጥሙ ፍልልይትን ጸገማትን ንምፍታሕ ዘኽእል መሓውራት ኣለዎ።
6. ሲቪክ ሃገር ንዉልቃዊ ዜጋ መሰል መሰረታዊ ሓርነት’ዩ፣ ንብነጻ ዝፍጠር ጉጅለታትን ኣካላትን መሰል ናይ ምስስይ ሕቶ ስለዝኾነ እዩ።