ወጊሑ ዶ ገና ? on Clubhouse

Updated: Nov 25, 2023
ወጊሑ ዶ ገና ? Clubhouse
487 Followers
389 Following
@hintsaslassie Username

Bio

ኣብዚ ቃልሲ ንፍትሒ ኣርባዕተ ዓይነት ሰባት ኣለው።

1. ፖለቲካውያን ሰባት
2. ሃይማኖታውያን ሰባት
3. ገንዘባዊያን ሰባት
4. ስነ-ልቦናውያን ሰባት

1. ፖለቲካውያን ሰባት

እዚኦም ስልጣን ዘገድሶም ኢዮም። ኣብ ቀመር ናይ ፖለቲኮኦም ድማ ዋላ ምስ ሰይጣን እውን ምሕዝነት መስሪትካ ስልጣን ክትግብት ኣሎካ ዝብሉ ኢዮም። ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ ፈታዊየይ ኢዪ ዝብል ኣምር ከም መትከል ይኽተሉ። እዞም ከምዚኦም ሰባት ኣብ ስልጣን እንተመጺኦም ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ዝኸፉኡ እንተኾኑ ዘገርሙ ኣይኮኑን። ሕነ-ምፍዳይ ቀንዲ ዲናሞ መዓልታዊ ምንቅስቃሶም ኢዩ።

2. ሃይማኖታውያን ሰባት

ጉዳይ ሃይማኖት እምበር ጉዳይ ፖለቲካ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን ኢሎም እንተስ ብቅንዕና ልቢ ወይ ድማ ባህርይ ተበላጽነት እንዳረኣዩ ዘይርእዮ፡ እንዳሰምዑ ከኣ ዘይሰምዑ ኢዮም። ብመንጽሩ ሃይማኖት ተኾልኩሎም ድማ ነቲ ገባቲ ስርዓት ብኸውሊ ሃገራውነትን መንነትን ዝድግፉ ኣለው። ውሑዳት ከኣ ነዚ መቁሕ ሰይሮም ኣብ ጎኒ ውጹዕ ሙዃን ካብቲ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ኮይና ክንመላለስ ከሎና ዝጠልቦ ኢዩ ኢሎም ጉልባቦም ቀሊዖም ዝቃለሱ ኣለው። ገለ ኸኣ ሃይማኖታዊ ኣጀንደኦም ንምትግባር ስውር ተልእኾ ሒዞም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ኣይሰኣኑን።

3. ገንዘባዉያን ሰባት

እዞም ሰባት ገንዘብ ከጸልሎም’ዩ ዝደሊ። ንኹሉ ነገር ብዓይኒ ገንዘብ ስለ ዝጥምትዎ ካብ ድኻ እውን ገንዘብ ክሓልቡ ሃነፍነፍ ኢዮም ዝብሉ። ፍልስፍና ካፒታሊዝም ቁሑም ኢዮም ኣቢሎማ። ጭል ዝበለት ሳንቲም ክኣርዪ መንድሎም ዘርጊሖም ሳብስክራይፕን ላይክን ክምእርሩ ወግሔ ጸብሔ ዓንገረር ይብሉ። ዝኾነ ዝምርሕሉ ስነ-ምግባር ስለ ዘይብሎም፡ ባህሎም ዘይፈቅዶ ዕያዕ ነገር እውን ኣብ ሶሻል መዲያ መጾም ትፍኦም ይተፍኡ። ህይወትካ ክትውድን እዘን መሳርዕ እዚኤን ተኸተል ዝብላ ጥረ ሓሳባት ካብ ጉጉል ማእሪሮም ፈይ ፈይ የብሉ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ቤላቤልው ክምእሩሩ፡ ንዘይውንንዎ ኣመስሪሖም፡ ናቶም ኣብ ምግባርን ዝወዳደሮም የብሎምን። ስስዔ ቀንዲ መለሊኦም ስለ ዝኾነ ነታ ፖለቲካ ሳሕቲ እኳ ትንዕ ዝብልዋ እንተኾኑ ጽፍዒት ጭልግም እንተኣቢልዎም ግልብጥ ኢሎም ኣብ ሕልፍኘኦም ኢዮም ዝምለሱ። ካብ ዮቱብ ዝማእረርዎን ገንዘብ ኪዳን ቁይሮም ጸበቀና መልካዕና ክብሉ መዓልታዊ ዋኒኖም ኢዩ።

4. ስነ-ልቦናዊያን ሰባት

ግዚኦም ኣብ ምፍታሽ ነፍሶም ኢዮም ዘሕልፉ። ነፍሶም ብጉቡእ ክፈልጡ ሑኽ ይብሉ። ንነገራት ካብ ክውንነት ወጻኢ ብኣግርሞት ስለ ዝጥምትዎ ናብ ኣዲያሊስትክ ገጾም ዝዘው ኢዮም። መዓልታዊ ኣብ ግሩም ሕልሚ የሕልፉ። ንዝተጠናናገ ሽግር ብኮፎም ከውርዱ ከደይቡ ምድረ-ሰማይ ይዓርቦም። ተደናገጽቲ ኮይኖም ብርቂ ዝኾነ ሓሳባት የፍልፉሉ እምበር ንሓሳባት ብኸመይ ምስ ግብሪ ኣዋሲብካ ፍታሕ ተምጽእ ጭንቕ ዝብሎም ኢዮም።

ነፍስኹም ፈቲሽኩምሲ ኣበይ ኮን ረኺብኩማ ትኾኑ፧

Member of

More Clubhouse users