ሕልናይ'የ ዘፍቅር on Clubhouse

Updated: Nov 9, 2023
ሕልናይ'የ ዘፍቅር Clubhouse
75 Followers
42 Following
@henok637 Username

Bio

*ኣብ ዓለም ሃፍቲ ኣለኒ ኣይትበል።ኣቲ እንኮ ሃፍትካ ሰብን ልቦናኻን እዮም፥ ግን ዝያዳ ፍቃድ ኣምላኽ እንበር ንልቦናኻ ኣይትእመኖ።
*ዕውት ሰብ ዝብሃል እቲ ንርእሱን ልቡን ብማዕረ ሰሚዑ ዝኸይድ እዩ።
*ለባም ሰብ ዝብሃል ስቅ ሰለ ዝበለ ኣይኮነን እንታይ ድኣ እቲ ንስምዒታቱ ግዲፉ ንሕልንኡ ዝግዛእ እዩ።
*ስምዒታትካ ግዝኣዮም እንበር ከይገዝኡኻ ተጠንቀቀሎም!

                   
ሰብ ሙኻን መሪጸ

ኣብዛ ዓለም ከርተትን ቃንዛ ዝበዝሖ ሂወት
ክብረት ሲኢኑ ስብ ሙዃኑ በዚሕዎ ውርደት
ሰብ ሓሳቡ ምቅባል ሲኢንዎ ምጻር ኣብይዎ
ነንሕድሕዱ ብ ምልሓስ ክናቆት ከፈኢዎ
                                      
                    ኣንታ'ዚ ሰብ ጠፍዎ ክብረት ፥ መሪጹ ነቲ ሕስረት
                   ይገርም'ዩ ምኽባር ሰብ ፣ ተቆጺሩ ከም ድሕረት
                   መንገዲ ጠፊኡና ወጺና ካብ ናይ ባህልና ሕመረት
                      ወረ ምስ ሓሶት ናትና  ኮይነን ስንቂ  ናይ ስደት
                                
ሰላምታ ናይ እግዛብሔር ኮይኑ ነብረያ ነብረ
ከም ፋሽን ተረኪቡ እቲ ኣብ ሂወት'ቲ ዝኸብረ
ይእርምመካ አዩ ስላምታ ሰብ ፍላሊኻ ኮይኑ
ኣቱም ንፍራሕ ዝፈጠረ ይረኢ ኣሎ ብዓይኑ

          ሓውኻ ኣሎ ዉጹዕ ዝሕገዝ ብሞራል ፥ ካብ ወረ ምስሳይ
          ሰብ ኣይንውጋእ ካብ ዂናት ዝብልሑ ቃላት ብምድርባይ
          በዓል ሕልና ስንቆም ንኹን ክይንኸዉን ልሙሳት ኣኣምሮ
          ጣዕሚ ዘይብሉ ከይከውን ሂወትና ከይንከወን ዝሮምሮ

ወገንነት ንግደፍ ኩሉ ሓወይ ሓፍተይ ንበሃሃል ንደጋገፍ
ክንሓልፎ ነቲ ዓበይቲ ጸገማትና ዝመስለና ዘይሕለፍ
ኣጆኻ ንበሃሃል በ'ብጊዴና ሓሳባት ሰባት ኣይንጽረፋ
ተኺኢልና ንሃቦ ንዝጋገ ማዕዳ ኣልዚብና ነገራት ዝሕለፍ
ኣይመጽን ወርቂ ብዘይ ምፍሓር ብዘይ ጋህጽሃጽ ጓህሪ
ሰብ ድማ ብ'ፍተና ተሓሊፉ አዩ ዝያዳ ብሂወት ተማሃሪ
                                                          

Eritrean 🇪🇷🇪🇷🇪🇷

Member of

More Clubhouse users