Tigi Gigi on Clubhouse

Updated: Oct 11, 2023
Tigi Gigi Clubhouse
108 Followers
165 Following
@galtigray Username

Bio

ህያበይ ዶ ክብለካ ወይ ዋሓሰ ሂወተይ😘😘😘😘😘😘
#ክነብር ኢና ብእምነትና🙏
ህያብይዘልኣለም ክንነብር ብሓባር ኮይንና
ብፍቅሪ ብስኒት ኣብ ቅድሚ ኣምላክና
ውዳሴ ነቅርብ ኢድን ጓንትን ኮይና
ፈጣሪና ነመስግን ስሙ እናጸዋዕና

ኩሉ ግዜ ንበሃሃል ንተንስእ ንጸሎት
ድክመት ከይሓድረና መንፈሳዊ ህይወት
ድቃስ ከይወስደና ኣብቲ ፍርቂ ለይቲ
ቃል ኣምላክና ንምገብ ቅዳሴ ክንኣቲ

ብትሪ እምነት ሓዳርና ኣጽኒዕና
እግዚአብሔር ዝእዝዞ ኩሉ ናሰራሕና
ፍቅሪ ክልቲኤና ብፈጣሪ ይምቅር
ልብና ወቂቡ ለምሊሙ ይስዕርር

ንበዓል ቤተይ ኣኽብር የብለካ
ከይተጠራጠርኩ ልበይ ይህበካ
ተኣማሚነ ይጽበ ክሳብ ትመጸኒ
ምድራዊ ንጉሰይ ኣምበሳ ክትኾነኒ

ኣብ ስራሕ ውዒልካ ክትኣቱ ንገዛ
ንልብኻ የጥልሎ ብጥዑም መኣዛ
ፍቱወየይ እናበልኩ ብልዙብ ላዛ
ሕማቅ ከይተዛረብኹ ዋዛ ወዲ ዋዛ

እቲ እግዚአብሔር ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ
ከምቲ ንዓይ ቤተ ክርስትያን ዘፍቀረትኒ
ፍጽምቲ ኮይንኪ ንስብኣይኪ ተገዝእዮ
ኣሚነይ ናበልኺ ኣብ ልብኺ ኣንግስዮ

ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝበለና
በዓል ሳራ ብሩኻት ኣደታት ኣለዋና
መጽብዕአን ዝፍጽማ ከም ሳሙኤል ሃና
ንሊ ዲቦራ ኣስቴር ቅድስት ዮዉሃና
ቃል ኣምላኽ ሰሚዐን መራሕቲ ዝኾና

በል ፍቱወይ ኣሰር ዘን ኣዴታት ንክተል
ንምስክር ብትብዓት ክንስከም መስቀል
መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ እቲ ቅዱስ ወንጌል
እምነትና ነጽንዕ ንቅዱሳን ኣበዉ ንምሰል

ቅዱስ ጳዉሎስ ኣብ ኩሉ መልእኽቱ
ነጊሩና እዩ ብስጥመት ለባዋ ርዝነቱ
ኣፍቅራ ኣፍቅርዮ ስለ ፍቅሪ ሙቱ
ኩሉ ብዘይ ፍቅሪ ከንቱ እዩ ከንቱ

ስብኣየይ ሰበይተይ እናተብሃሀልና
ትርጉም ቃል ኪዳን ብዝግባእ ፈሊጥና
ሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ ብስርዓት ፈጺምና
ደሙ ዘፍሰሰሉ ፍቅሪ እዩ መትከልና!!
ናይ መፃኢ ሰብኣየይ ኣበይ ኣለኻ!?

Last 10 Records

if the data has not been changed, no new rows will appear.

Day Followers Gain % Gain
October 11, 2023 108 +17 +18.7%
November 06, 2022 91 +2 +2.3%
July 23, 2022 89 +3 +3.5%
June 16, 2022 86 +2 +2.4%
May 09, 2022 84 +7 +9.1%
April 01, 2022 77 +25 +48.1%
February 02, 2022 52 +35 +205.9%
December 26, 2021 17 +7 +70.0%

Charts

Member of

More Clubhouse users