ክትሞተሉ እትኽእል ዕላማ እንተዘይብልካ፥ ክትነብረሉ እትኽእል ዕላማ'ውን ክህልወካ ኣይክእልን'ዩ °🇪🇷🐪🇪🇷 ✊🏾
ሂወት ዝቕይሩ ጥቕስታት፥
1.እንዳረሓቕካዮ ዘይርሕቐካ ከብዲ ወላዲት ጥራይ ኢዩ፡፡
-ወላዲትካ ኣኽብር፡፡
2. ቀዋሚ ፈታዊ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ፡፡
- ስምዒታትካን ባህግኻን ንመን ከምተርእዮ ኣስተውዕል፡፡
3.ትምህርቲ ድንቁርና እምበር ዕሽነት ኣየጥፍእን፡፡
- ካብ ዓያሹ ምሁራት ተጠንቀቕ፡፡
4. ብዙሕ ዝገበርካሉ ብዙሕ ክጎድኣካ ይኽእል ኢዩ፡፡
- ተዳሊኻሉ ጽናሕ፡፡
5. ኣይኮነን ዝወጠንካዮ ዝሓዝካዮ እውን ይወድቀካ ኢዩ--ተስፋ ኣይትቑረጽ፡፡
6.ብዙሓት ሰባት ከምቲ ንሓስቦም ኣይኮኑን--ዝግ ኢልካ ትዓዘብ፡፡
7.ዘይሓልፍ መከራን ግዜን የለን፡፡
- ክብረትካን መትከላትካን ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ዕዳጋ ከይተውርድ ተጠንቀቕ፡፡
8. ብምሉእ ልብኻ ዝቐረብካዮም ዘሕመቑኻ ዝመስሎም ብዙሓት ኣለዉ፡፡
- ብምሉእ ልብኻ ንመን ትቐርቦ ፍለጥ፡፡
9. ምንባር ክትርኢ ሞት ኣይትረስዕ፡፡
10. ቅድሚ ፍርዲ ምሃብካ ዳኛ ንምዃን ብቕዓት ከምዘለካ ነብስኻ ኣቐዲምካ ሕተት፡፡
11. ኩሉ ብገንዘብ ክገዝኦም ኢየ ኣይትበል! ብገንዘብ ትገዝኦ እቲ ዝሓሰረ እምበር እቶም ክቡራት ዋግኦም ብገንዘብ ኣይትመንን ኢዩ፡፡፡
12. እምነት ከም ቤትሮ ኢዩ! ሓንሳብ ምስ ተሰብረ ናብቲ ልክዕ ቦትኡ ክትመልሶ ከቢድ'ዩ፡፡
13. ሕልና ኣብ ውሽጢ እትርከብ ባዕልኻ ተመሓድራ ብልጽቲ ህያብ'ያ፡፡
14. ካብቲ ብትዕቢት ደው ዝበለ እቲ ብቕንዕናን ፍቕርን ኮፍ ዝበለ ይነውሕ፡፡
15. ንደቂ ሰባት ከተፍቅሮም እምበር ክትፈልጦም ኣይትገደድ! ምኽንያቱ በቲ እንታይነቶም ክትፈልጥ ዝጀመርካሉ ግዜ፡ ክፍኦም ምስ ሰማዕካ ክትጸልኦም ከይትግደድ፡፡
16. ፍቕሪ ጾታ የብሉን ዋና ግን ኣለዎ! ንሱ ክኣ እቲ ከም ዕምበባ ጽገሬዳ ዝከናኸኖ ጥራይ ኢዩ።
17. ወላ ሓደ ፍጡር ንዓኻ ዝመስል የለን! እዚ ኢዩ ክኣ ፍሉይ ሓይልኻ፡፡
18. ኣነ ኢየ ዝፈልጥ ምስ ዝብል ሰብ ምክታዕ፡ ከም ሃመማ ኣብ ገጽካ ምቕታል ኢዩ! ቀዳማይ ነብስኻ ትጸፍዕ ካልኣይ ርስሓት ኣብ ገጽካ ይተርፍ፡፡
19.ንዘፍቅረካን ዘኽብረካን ዕሽሽ ኣይትበል! ሓደ ምዓልቲ ካብ ድቃስካ ምስ ተበራበርካ ከዋኽብቲ ክትቆጽር ወርሒ ከምዝኸሰርካ ክርድኣካ ኢዩ፡፡
if the data has not been changed, no new rows will appear.
Day | Followers | Gain | % Gain |
---|---|---|---|
September 06, 2023 | 518 | +51 | +11.0% |
August 22, 2022 | 467 | +34 | +7.9% |
July 16, 2022 | 433 | +26 | +6.4% |
June 09, 2022 | 407 | +17 | +4.4% |
May 03, 2022 | 390 | +21 | +5.7% |
March 25, 2022 | 369 | +64 | +21.0% |
January 27, 2022 | 305 | +32 | +11.8% |
December 20, 2021 | 273 | +36 | +15.2% |