Barentu Nana on Clubhouse

Updated: Nov 1, 2023
Barentu Nana Clubhouse
363 Followers
310 Following
@barentunana Username

Bio

ወንጌል ማቴዎስ 6
33፤ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

ኦሪት ዘጸአት 20
4፤ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር።

5፤ ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡

እብራውያን 13
8፤ የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ።🙏🏾

ያእቆብ 1 (James)
6፤ እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ
ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን።ኣሜን

ዳዊት 3 (Psalms)
1፤ ዎ እግዚኣብሄር፣ ጠቓዕተይሲ ኽንደይ ኰን ይበዝሑ፣ ኣባይ ዚለዐሉ ብዙሓት እዮም።
2፤ ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙሓት፣ ኣብ ኣምላኽሲ ምድሓን የብሉን፣ ይብሉ ኣለዉ። *ሴላ።
3፤ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ግና ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣ ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ።ኣሜን

ሆሴእ 6 (Hosea)
3፤ ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፣ ክንፈልጦ ድማ ንስዐቦ። ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፣ ንሱ ኸም ዝናም፣ ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ።ኣሜን

Member of

More Clubhouse users