ኤmaaa ኤma on Clubhouse

Updated: Aug 22, 2023
ኤmaaa ኤma Clubhouse
558 Followers
452 Following
@asmara7 Username

Bio

.


ካብቲ ኩሉ ሕማቅ ዝገትመኒ ኩሉ ኣይኮነን ዝጎድኣኒ።




@iamwhoiam01 ma ybmey ♥️👸




@its_semharrr ma bestie




@Fifi771 queen 👸 of Ludo



If you treat me like a King, I’ll treat you like
a Queen.
If you treat me like a Game, I’ll show you how it’s played





ኣብ ጉዕዞ ሂወት ካብ ዘጋጥሙ ኣጋጣሚታት፥ሓደ ኣቦ ካብ ምጠን ንላዕሊ ዘፍቅራ ሓንቲ ውላድ ነበረቶ ብሓደ ከኣ ይነብሩ ነበሩ፡ እቲ ኣቦ ልዕሊ ዝኾነ ነገር ንውላዱ ክብል ይነበር ምንባሩ ዝኣምን ነበረ፡ ኣዝዩ ብዘገርም ልቡ ክሳብ ዝጠፋኦ እዩ ንጓሉ ዘፍቅራ ዝነበረ፡ እንተኾነ ግን ሃንደበት ሓመመት ፡ ኣቦ እዛ ቆልዓ ጥዕና ጓሉ ናብ ንቡር ንምምላስ ዘይከዶ፡ሕክምናን ዘይከዶ ማይ ጨሎትን ኣይነበረን፡ ዘየማኸሮ ናይ ሕክምና በዓል ሞያ ውን ኣይነበረን፡

እንተኾነ ግን ድኻሙ ከንቱ ኮነ፡ ብኡ ንብኡ ከኣ ጥዕና ናይ ጓሉ ከይተመልሰ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየት፡ እቲ ኣቦ ድሕሪ ሞት ውላዱ ውልቃዊ ሂወቱ ፍጹም ተቐየረ፡ ብኽቱር ሓዘን ዛኣክል ካብ ከባቢኡን ሕብረተሰብን ተነጺሉ ንበይኑ ገዛ ዓጽዩ ምንባር ተተሓሓዞ፡ ንብዓቱ ብክልተ ምዕጉርቱ ከም ውሕጅ ክዛሪ ይውዕልን ይሓድርን ነበረ፡በብእዋኑ ቤተሰብን ፈተውትን ጎረባብቱን ናብ ንቡር ሂወቱ ንክመልስዎ ገዝኡ እንዳኳሕኩሑ እንተለመንዎን እንተኣጸናንዕዎን ክሰምዖም ኣይከኣለን፡ጓሉ ንዓኡ ክንዲ መሓዝኡን በዓልቲቤቱ ሓዉ ሓፍቱ ብሓፈሽኡ ኹለንትንኡ እያ ኔራ ፡

ስለዚ እዩ ከኣ ብ ኸቢድ ሓዘን ልቡ ዝተሰብረ፡ ከምዚ ኢሉ እንዳነበረ እንከሎ ሓደ ለይቲ ሕልሚ ሓለመ፡ሕልሙ ናብ መንግስተ ሰማያት ወሰዶ፡ ኣብ ውሽጢ መንግስተሰማያት ናይ ህጻናት ጻድቃናት ንእግዚኣብሄር ዘመጉስ ትርኢት ንኽዕዘብ ተዓደመ፡ እቶም ህጻናት ኩሎም ጸዓዱ ኣልባሳት ለቢሶም ጥዋፍ ኣብሪሆም ንእግዚኣብሄር ዘመጉስ መዝሙር ይዝምሩ ነበሩ፡ኣብ መንጎ እዞም ሕጻናት ናይ ሓንቲ ህጻን ጥዋፍ ግን ኣይበርሀትን፡ ኣብ መወዳእታ ግን እታ ጥዋፋ ዘይበርሀት ህጻን ጓሉ ሙኻና ኣረጋገጸ፡ካብቲ ኮፍ ኢልሉ ዝነበረ ወንበር ተንሲኡ ብጉያ ከይዱ ብዓሚቕ ስምዒት ደጋጊሙ ሰዓማ ፡ ከምዚ ከኣ በላ ጓለየ ጓለየ ናይ ኩሎም ጥዋፍ በሪሁ እንከሎ፡ናትኪ ንምንታይ ዘይበርሀት እቲ ምኽንያት ኣይተረደኣንን ክብል ሓተታ፡ ኣቦየ ጥዋፈይ ዘይበርሃሉ ምኽንያት እቲ ኩሉ ግዜ ዝፈስስ ንብዓትካ ስለ ዘጥፈኦ እኮ እዩ በለቶ፡፡

ኣቦ እዛ ቆልዓ ካብ ሕልሙ ምስ ተበራበረ ጓሉ ድሕሪ ሙማታ ዝገብሮ ዝነበረ ኩሉ ጽቡቕ ከምዘይኮነ ተረደአ፡ ንነብሱ ጎዲኡ ነታ ብጣዕሚ ዘፍቅራ ውላዱ ናይ መንፈስ ዕረፍቲ ከም ዝኸልኣ ተረደአ፡ ካብታ ሕልሚ፡ዝረኣየላ ዕለት ጀሚሩ ጠቕሊሉ ንኹሉ ነገር ብምግዳፍ ሕጉስ ኮይኑ ምንባር ጀመረ ናብ የዕሩኽቱ ተሓወሰ፡ ዘሐጉስ ግዚያት ከሕልፍ ድማ ጀመረ፡፡

ልክዕ'ዩ የሕዋት ኣዚና ካብ እነፍቅሮ ሰብ ምፍላይ ኣዝዩ መሪር ስቓይ እዩ፡ እንተኾነ ግን ነዐኦም ዳግማይ ንምርካብ፡ዘለና ዕድል ጸቢብ ምዃኑ ምስ ተረዳእና ንገዛእ ርእስና እንተዘይጎዳእና ጽቡቕ እዩ፡ ምኽንያቱ ተጎዳእቲ ንሕና ጥራይ ዘይኮንናስ እቲ እነፍቅሮ ሰብ ውን ምሳና እዩ ዝጉዳእ።

Last 10 Records

if the data has not been changed, no new rows will appear.

Day Followers Gain % Gain
August 22, 2023 558 +153 +37.8%
October 03, 2022 405 +92 +29.4%
August 11, 2022 313 +5 +1.7%
July 05, 2022 308 +18 +6.3%
May 29, 2022 290 -5 -1.7%
April 21, 2022 295 +3 +1.1%
March 14, 2022 292 +11 +4.0%
January 16, 2022 281 +1 +0.4%
December 09, 2021 280 +5 +1.9%
October 31, 2021 275 +20 +7.9%

Charts

Member of

More Clubhouse users