Jimawi Hgawi on Clubhouse

Updated: Oct 21, 2023
Jimawi Hgawi Clubhouse
232 Followers
430 Following
@alekugena Username

Bio

""ቢኒ ቢኒ ቢኒ""

ቢነይ ሓበን ሃገር ብዓል ስሑል ዳንጋ
ኣንታ ጸሊም ኣልማዝ ዘይትመን ብዋጋ
ብሓጎስ ነቢዑ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ

ጠሓሒሳ ኣንበሳ ኮርዒዳ
ኣደ ትምከን ንዓኻ ወሊዳ
ሓደ ክንዲ ሚልዮን ወዲ ኤረይ ጻዕዳ

እቲ ተሪር ዓቀብ ከም ማይ ስቲኻዮ
ጎላጉል ናይ ጥልያን ጥቅልል ኣቢልካዮ
ስምካን ስም ሃገርካን መሊስካ ኣድሚቅካዮ
ኮሪዐልካ ቢነይ ልበይ መሊእካዮ

ትጽቢትና ኣብቒዑ ዓወትና ደሚቁ
ንብዕትና ውሒዙ ትምኒትና ጸዲቁ
ምእማኑ ሲኢኑ ኣካልና ደሪቁ

ብምንታይ ክገልጾ ቃላት ሓጺሩኒ
ክጾሮ ኣይክኣልኩን ንብዓት ስዒሩኒ
ስደተይ ረሲዐ ሳላኻ ሓወኒ
ዓለም ብዓለማ ኣቢልካያ ቢኒ ቢኒ ቢኒ …………………

Qazawi hgawi
17/05/2022


" " ሓቐኛ ሞት ""

እቲ ሞት ዝመስለና
ካባና ብስጋ ምስ ተፈለየና
ንሱ እኮ ኣይኮነን ሞት
ንሱስ ምዕራፍ ጉዕዞና እንድኣሉ
መጨረሽታ ናብዛ ዓለም ንጸንሓሉ
ሞት 'ሲ ኣብ ምድሪ እዪ
ሰብ ኮይኑ ተፈጢሩ እንክንሱ
ሰብኣውነት ግቡሪ እንተ ዘይተላበሰ
ኣቦ ውሉድ እንክንስካ
ኣቦነት ኣብ ግብሪ ዘይነበርካ
ዋልታ ዘይትከውን ንቤትካ
ደጀን መስተርሓ ንውሉድካ
አብ ንእስነት ትበሊ ዕድሜካ
ንሱ እዩ 'ቲ ሞት
ኣደ ወላድ እንክንሳ
ማይ ቤት ዘይተብርህ
ንደቅኪ ፍቅሪ ዘይመሀር
ንግዝያዊ መሕብኢ ኩራ
ንምቼት ብቃጻ ዝሃለልኪ
ንዕድል ውሉድኪ
ብትዕቢት ዘጸልመትኪ
ብህልክ ቤትኪ ዘፍረስኪ
ንጸዋርን ልቦና ተሓሲምኪ
እንኮ አደብ ዘይብልኪ
ንኪዳን ፍረ ከርስኪ
መጻኢ ራኢኡ ዘጸልመትኪ
ንፈቃር ልቡ ሕልና ዝስበርኪ
ምንዝርና ሓሳባት ንጽልኢ ዘንገስኪ
ንሱ እዩ እቲ ሞት
ብደውካ እንከለካ
ትበልዕ ተስካር ውሉድካ
ሕመቆም ትርኢ አብ ቅድሜካ
ሓው ኮይኑ ሕውነት ዘይዓቐበ
ክኣቱ እንክወጽእ ንቤቱ ዘይነበረ
ኣያ ኮይኑ ንሕዋቱ ዘየጽለለ
ጅግና ኮይኑ ንወለዱ ዘየዕረፈ
ባርያ ኮይኑ ንወለዱ ዘየክበረ
ንሱ እዩ ሞት መረበቱ ዝተዘምተ
እታ ሓብቲ ኮይና ነደ ዘይመሰለት
ብሓልዩት ብፍቅሪ ዘይተመልአት
ኣደነት ኣብ ቤታ ዘየተማህረት
ኣደ ዘይትበቅዕ ምስ ደረሰት
ንሕስረት ትቃላዕ ግዳም ምስ ወጸት
ንሱ እዩ 'ቲ ሞት ኣደነት ምስ ዘየክበረት

ሰብ ሎሚ
08/11/2022

Last 10 Records

if the data has not been changed, no new rows will appear.

Day Followers Gain % Gain
October 21, 2023 232 +136 +141.7%

Member of

More Clubhouse users