ሓዳስ ኤርትራ 1991~ on Clubhouse

ሓዳስ ኤርትራ 1991~ Clubhouse
449 Members
Updated: Mar 12, 2024

Description

-------- ወትሩ ሃገረይ-------
ብገጣሚ-- ሃፍቶም ተወልደ (ሃፋ)

ኣብ ቅኑዕ ይኹን ኣብ ጌጋ
ኣብ ምርጋእ ይኹን ኣብ ሓደጋ
ኣብ መድረኽ ዘሎ ጉዳይ
ዝኾነ ተኾነ ወትሩ ሃገረይ
ወትሩ 'ዛ ዓደይ
ወትሩ ሃገረይ
ሃገረይ ሃገረይ እየ ዝብል ኣነ

እዚ እዩ ጭርሖይ
ወትሩ ሃገር እወ ሃገር
ኣብ ራህዋን ሕሰምን
ዘይቅይሮ መትከል
ይጻዕዱ ወላ ይፍሓም
ዘሎን ዝነበረን ታሪኽ
ዝወሓጥ ይኹን ዘሕረኽርኽ
ዘይሩ ዘይሩ መንነት ምህላው'ዩ እቲ ሕቶ
ብዘይ ውልውል ልበይ ውን ነዚ'ዩ ዝጥምቶ

ኪኖ ብጉልበት ብኣእምሮ ገድሊ
ገደል ክትጋደሎ
ጽኑዕ ምዃን ኣብኡ'ዩ ዘሎ
ነዚ ብልሒ እዚ ዝፈጠሮ
እንታይ'ሞ ኣሎ ዘይክእሎ
ወትሩ ሃገረይ
ወትሩ 'ዛ ዓደይ
ወትሩ ሃገረይ
ሃገረይ ሃገረይ እየ ዝብል ኣነ

ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ፡ ናቱ ቅርጺ እናፈጠረ
ዋጋ ኣኽፊሉና እንድዩ ፡ በብተራ በብእብረ
ክጸባጸብ ኣይጎይን ፡ ሕሳብ ከወራርዶ
ድራማ ኣለዎ ታሪኽ ፡ ይቕዶ ወላ ኣይቕዶ
ሃገረይ

ሓቅን ክውንነትን ኣለልዩ
ብኣኣ ተሓልዩ
መንነቱ ሓልዩ
ዝኸይድ ጉዳይ ኣለዎ ቃልሲ
ሃገረይ ቃሉ ክወግሕ ክመሲ
ቀሪቡ ርሒቑ ወራሲ
Our room rules 1: argumentative may get joy or pleasure from starting arguments. For example, a person may look for flaws in a family member's idea and attempt to rile them into a fight.
Our room rules 2: Don’t allow any topic and toxic words in this room. Respect our personality,unity and nationalism

Some Club Members

More Clubs