ት.ብ.ዓ.ት ትንሳኤ ብሔረ ዓባይ ትግራይ on Clubhouse

ት.ብ.ዓ.ት ትንሳኤ ብሔረ ዓባይ ትግራይ Clubhouse
852 Members
Updated: Mar 8, 2024

Description

፨-ትብዓት

፨-ትብዓት፦ ሕቶ ስልጣኔ፣ሕቶ ብሔራዊ ክብሪ ፣ሕቶ ሞሎኮታዊ ናጽነት፣ሕቶ ዙፋንን(ፍልጠትን፣ስርዓታትን) ክምልስ ዝተወደበ ናይ ትንሳኤ ተቓላሳይ ኢዩ።

፨-ትብዓት፣ ኣብ ሃገረ ዓባይ ትግራይ፥ ዝነብሩ ብሔረ ትግራይን ካልኦት ነገዳትን ማሕበራውን፣ፖሎቲካውን፣ቁጠባውን ሽግራቶም ብዘቤታውን ዘመናውን ፣ አጋባብ ክፈትሖ ኢዩ።

፨-መሰል ሰብ፣እንስሳ፣መርየት፣ኣታኽልቲ፣ባሕሪ ዝሕሉን ዘኽብርን ስርዓትን ሕግን ክተክል ኢዩ።

፨-ገለ ካብ ራኢታት ትብዓት
1-ብሄረ ታህጋሪ(ትግራይ)፡ከቢሩን ቀሲኑን ክነብር፡ሰሪሑ ክምዕብል፡ዝውንና ሃገር ክትህልዎ፡ኣማራጺ ዘይብሉ ፍታሕ ኢዩ።

2-ሃገረ ዓባይ ትግራይ፡ንተጋሩን ንጎረባብቲ ሃገራትን ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን፡ወሳኒ ተራ ዘላዋ፡ረብሓ ኩሉ ኢያ።

3-ህዝባን ፍጡራታን እተኽብር፡ሕጊን ስርዓትን ፍትሒን ዝሰፈና፡ሃገር ክትህሉ መሰረታዊ ድሌትናን ራኢናን ኢዩ።

4-ልዕልና ሕጊን ስርዓትን ዝሕሉ፡ባህሊን ክብርታትን ዘማዕብል መንግስቲ ንምፍጣር፡ሓላፍነት ህዝቢ ምምዕባል።

5-ረብሓን ውሕስነትን ናይ ህዝቢን ልዑላውነት መሬትን ዘረጋግጹ፡ንቑሓትን ብቑዓትን ዜጋታት ኣፍርያ
ዝወነነት፡ስልጥንትን ምዕብልትን ሓያልን ሃብታምን ሃገር፡ብኩሉ መዳይ ምህናጽን ምውሓስን፡ራኢና ኢዩ።

6-ህዝባዊን መሬታዊን ምዕባለ፡ሃብትን ስልጣኔን፡ዕድላት ስራሕን ውሕስነቱን ኣብ ምሉእ ሃገር ምርግጋጽ።

7-ጀጋኑን ኣብነታውያንን ዜጋታት፡ብኣስማቶም፡ጎደናታት፡ኣደራሻት፡ቤት ትምህርታት፡ወደባት፡መዓርፎ ነፈርቲ፡ወዘተ
ክስመ፡ምስሎም ኣብ ባጤራ ክሰፍር፡ኣብ ትውልዲ ቦታኦምን ኣብ ሃገራዊ ቦታታትን፡ሓወልቲታቶም ክትከል ምግባር።

8-ኣሳእሎምን ታሪኾምን ኣብ ቤተመዘክር ብኽብሪ ክቕመጥ፡ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ዝመጽኡ በጻሕቲ ክርእይዎ ምድላው።

9-ንህዝብን ሃገርን ዘገልገለን ዝኸፈለን፡ስልማትን ክብሪን ክረክብ፡ስሙን ታሪኹን፡ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክሰፍር ምግባር፤ጽቡቕ ህዝባዊ ኣብነት ኮይኑ፡ማሕበራዊ ኣገግሎትን ጅግንነትን፡ማሕበራዊ ክብሪ፡ኩርዓት፡ስጥመት፡ዘበርኽ ስለዝኾነ፡ንልዑላውነትን ውሕስነትን ናይ ህዝቢን ሃገርን፡ዓቢይን ወሳኒን ረቛሒ ኢዩ።
=========================
መትከላት ትብዓት ኣብ ስርዓተ ስድራቤት።

10-ስርዓተ ስድራ ቤት

1-ስድራቤት፡ብክልተ ባህሪያዊ ኣንጻር ጾታ፡ማለት ብሰብኣይን ሰበይቲን ዝቐውም ኮይኑ፡መሰረትን ቀጻሊነትን ሕብረተሰብ ኢዩ።

2-ስድራቤት መሰረት ሃገር ስለዝኾነት፡ንምምራሕ ስድራቤት ዝጠቅም ስርዓት ትምህርቲን ስልጠናን ክቐውም ኢዩ።

3-ምምስራትን ምምራሕን ስድራቤት፡ዝምህር ዓውዲ ትምህርቲ፡ካብ መባእታ ደረጃ ጀሚሩ ንተምሃሮ ክውሃብ ኢዩ።

4-ኣብ ትሕቲ መሰል ዜጋታት፣ብፍሉይ መሰል ስድራቤትን ቆልዑን ዝሕሉ ሕጊ መሰልን ክብሪታትን ክቐውም ኢዩ።

5-ክብሪ ኣደን ስድራቤትን፣ክብሪ ብሄርን መሬትን፡ሕቶ ህላወን ሕቶ ቀጻልነት ህዝብን ስልጣኔኡን ስለዝኾነ፣ብዕቱብ ክሕሎ ኢዩ።

6-ክብሪ ኣደ ዘዋርድ፣ዝጻረር፡ባህሊ፡ልምዲ፡ስርዓት፡እምነት ይኹን ሃይማኖት፡ክብሪ ስድራቤትን ሕብረተሰብን ዘጥፍእ ስለዝኾነ፣ሓርነት ህዝቢን ሃገርን ዘዕኑ ጸረ ሰላምን ጸረ ምዕባለን ስለዝኾነ፡ብዝመጾኣገባብ ተሳዒሩ ዝርሕቕ ጸላኢ ኢዩ።
**********************************
29/10/2021/
#መትከላት_ትብዓት
ሕግታትን ባህልን ትብዓት: ብሓርነት ሓሳብካ፣ ርእይቶኻ ምግላጽ ፍቑድ አዩ።
1-ኣብ ሞንጎ ዘረባ ምእታው ኣይፍቀድን።
2- ምጽራፍን ምዝንጣልን ኣይፍቀድን።
3-ካብ ኣርእስቲ ወጺኻ፣ኮለል ምባል ኣይፍቀድን።
4-ጸረ ህዝቢ፣ ጸርፊ ወይ ጸለመ ኣይፍቀድን።
5- ዝፈልጥ ይምህር፣ዘይፈልጥ ይማሃር።
6-ብዘይ ፍቓድ ኣላይ፣ምዝራብ አይፍቀድን።

Rules

ሕግታትን ባህልን ትብዓት

1-ብሓርነት ሓሳብካ፣ ርእይቶኻ ምግላጽ።
2-ኣብ ሞንጎ ዘረባ ምእታው ኣይፍቀድን።
3- ምጽራፍን ምዝንጣልን ኣይፈቀድን።
4-ካብ ኣርእስቲ ወጺኻ፣ኮለል ምባል ኣይፍቀድን።
5-ጸረ ህዝቢ፣ ጸርፊ ወይ ጸለመ ኣይፍቀድን።
6- ዝፈልጥ ይምህር፣ዘይፈልጥ ይማሃር።
7-ብዘይ ፍቓድ ኣላይ፣ምዝራብ አይፈቀድን።

Last 30 Records

Day Members Gain % Gain
March 08, 2024 852 -1 -0.2%
January 18, 2024 853 +2 +0.3%
December 05, 2023 851 +7 +0.9%
October 29, 2023 844 0 0.0%
September 29, 2023 844 +4 +0.5%
August 30, 2023 840 +25 +3.1%
July 27, 2023 815 -1 -0.2%
July 01, 2023 816 +14 +1.8%
April 06, 2023 802 +5 +0.7%
March 11, 2023 797 -8 -1.0%
January 30, 2023 805 +1 +0.2%
January 22, 2023 804 +3 +0.4%
January 18, 2023 801 +1 +0.2%
January 11, 2023 800 +1 +0.2%
January 07, 2023 799 -1 -0.2%
January 03, 2023 800 -1 -0.2%
December 30, 2022 801 +3 +0.4%
December 26, 2022 798 +1 +0.2%
December 23, 2022 797 +5 +0.7%
November 29, 2022 792 +4 +0.6%
November 22, 2022 788 +1 +0.2%
November 16, 2022 787 +2 +0.3%
November 09, 2022 785 +1 +0.2%
November 03, 2022 784 +3 +0.4%
October 28, 2022 781 +3 +0.4%
October 21, 2022 778 +4 +0.6%
October 14, 2022 774 -1 -0.2%
October 08, 2022 775 +2 +0.3%
October 03, 2022 773 +2 +0.3%
September 29, 2022 771 +16 +2.2%

Charts

Some Club Members

More Clubs